ብዙሓት ዓይነታት ዓመጽ ኣለዉ።
ዓመጽ ኣብ ስዊዘርላንድ ዘቕጽዕ እዩ።
ዝኾነ ዓይነት ጎነጽ ቅቡል ኣይኮነን።

ዓመጽ የጋጥመካ/ኪ ኣሎ ድዩ? ወይ ዓመጽ ትዕዘብ ዲኻ?

እዚ ዝስዕብ ክትገብር ትኽእል፡

ናይ AOZ ሰራሕተኛ ርኸብ/ቢ።

ወይ ድማ ኣብዚ ናይ ምኽሪ ማእከል ክትረኽቢ ትኽእሊ ኢኺ።

ማእከል ምኽሪ እንታይ እዩ?

  • ማእከል ምኽሪ ዝበሃል ናይ ዝኾነ ጸግዒ ዘይብሉ፡ ኣብ ዝደለኹዎ ግዜ ክትውከሉሉ ትኽእሉ እዩ።
  • እተፈላለዩ ናይ ምኽሪ ማእከላት እዮም ዘለዉ። ገለ ናይ ምኽሪ ማእከላት ኣብ ዝተወሰነ ናይ ኣርእስታት (ናይ ሓዳር ጎነጽ፡ ግዱድ መርዓ ወዘተ) ዝሰልጠነ እዩ። ካልኦት ናይ ምኽሪ ማእከላት ኣብ ፍሉያት ጉጅለ ናይ ሰባት (ደቂ ኣንስትዮ፡ LGBTI* ወዘተ) ዘተኮረ እዩ። ኣብ ታሕቲ ዝርዝር ናይ ምኽሪ ማእከላት ኣሎ።
  • እቲ እትሓልፎ ዘለኻ ከተካፍል ትኽእል ኢኻ ከምኡ’ውን እንታይ ክሕግዘካ ይኽእል ውን ክትዘራረብ ትኽእል ኢኻ። ኣብ ተወሰኽቲ ስጉምታት ክትሕገዝ ኢኻ።
  • ኣድላዪ እንተድኣ ኮይኑ፡ ማእከላት ምኽሪ ኣስተርጎምቲ የዳልዋ እየን።
  • እቲ ምኽሪ ናጻን ምስጢራውን እዩ። ዝኾነ ዝፈልጥ ሰብ የለን።

ኣገልግሎታት ደገፋት ግዳይ ገበን (Servizio per l’aiuto alle vittime di reati)

ምኽሪ ብዓመጽ ዝተጸልዉ ዝኾኑ፡ ደቂ-ተባዕትዮ፡ ደቂ-ኣንስትዮ፡ ጾትኦም ዝተመሓላለፈ፡ ቆልዑን ህጻናትን

dss-lav@ti.ch

Bellinzona, Locarno, Paradiso (Lugano/Mendrisio)

መራኸቢ መስመር

ምኽሪ ንደቂ-ኣንስትዮ (Consultorio delle Donne)

ምኽሪ ብዓመጽ ዝተጸልዋ ደቂ-ኣንስትዮ

መራኸቢ መስመር

ኣንቴና MayDay ነፍሳት ኣድሕን (SOS) Ticino

ምኽሪ ንግዳያት ምግዕዓዝ ደቂ-ሰባት

መራኸቢ መስመር

ክፍሊ ግዱድ መርዓ (Istituto specializzato Matrimonio forzato)

ምኽሪ ንግዳያት ግዱዳት መርዓ

መራኸቢ መስመር

መርበብ ኣንጻር ምኽንሻብ ደቂ-ኣስንትዮ (Rete contro le mutilazioni genitali femminili)

ምኽሪ ንግዳያት ዝተኸንሸባ ደቂ ኣንስትዮ

መራኸቢ መስመር

Queeramnesty ስዊዘርላንድ (Queeramnesty Svizzera)

ምኽር ንLGBTI*- ሰባት ኣብ ዓመጽ ፍርሒ ናይ ግብረ-ሶዶማውያን ወይ ጾትኦም ዝተሰጋገረ

መራኸቢ መስመር

ማእከል ንምክልኻል ምፍልላይ (Centro per la prevenzione delle discriminazioni)

ምኽሪ ንብዓሌታውነትን ብኣፋላላይን ዝተጸልዉ

መራኸቢ መስመር

ቀረባት ተወሰኽቲ ሓበሬታታት

ብዛዕባ ዓመጽ ዝያዳ ሓበሬታ ትደሊ ዲኻ?
ዝጥዕመካ ማእከል ምኽሪ ኣብ ምርካብ ሓገዝ የድልየካ ድዩ?
ኣብዚ ሓበሬታን ሓገዝን ክትረክብ ትኽእል ኢኻ፡ ዝከኣል እንተድኣ ኮይኑ ብዝተወለድካሉ ቋንቋ፡

ቴሌፎን ኣንጻር ጎነጽ (Telefono contro la violenza)

ቅልጡፍ መስመር ቀዳመ-ሰንበት ንደቂ-ኣንስትዮ ብጎነጽ ዝተጸልዋ

0765162676

(ዓርቢ 18.00 ድ.ቀ ክሳዕ ሶኑይ 8.00 ቅ.ቀ)

info@telefon-gegen-gewalt.ch

መራኸቢ መስመር

ተባዕ (Brava)

ምኽሪ ቴሌፎን ንደቂ-ኣንስትዮ ብዓመጽ ዝተጸልዋ

መራኸቢ መስመር

ቤት ጽሕፈት ጥርዓን AOZ

ጥርዓናት ኣንጻር ሰራሕተኛታት AOZ 
ካብ ሰራሕተኛታት AOZ ጎነጽ ኣጋጥጢምካ/ኪ ይፈልጥ’ዶ? ተዓሚጾም ድዮም ወይ ምፍርራሕ ወሪድዎም? ብሰራሕተኛታት AOZ ጾታዊ ግድዒ ዝወረድካ/ኪ ኮይኑ’ዶ ይስምዓካ/ኪ? ጥርዓናትኩም ኣብዚ ከትህቡ ትኽእሉ ኢኹም?

ቤት ጽሕፈት ማእከላይ ውሽጣዎዊ ጥርዓን (Ufficio reclami interno centrale)

መራኸቢ መስመር

ቤት ጽሕፈት Ombuds ንከተማ Zürich (Ufficio del difensore civico della Città di Zurigo)

መራኸቢ መስመር